ጋናዊ ኣጥቃዓይ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣሴይ ማውሊ ናብ ጋንታ ፋሲል ከነማ ተፀምቢሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  10/02/2012)ወዲ 30 ዓመት ማውሊ መብዛሕቲኡ ናይ ኩዕሶ እግሪ ሂወቱ ኣብ ናይ እስራሄል ጋንታት ከምዝሓለፈ ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ተፃዋታይ ዝሓለፈ ዓመት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ዋንጫ ፕሪሜሊግ ኢትዮጵያ ንክትዓትር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ፡፡ ብድሕሪ እዚ ድማ ማውሊ ናብ ጋንታ ፋሲል ከነማ ኣቅኒዑ፡፡ ጋንታ ፋሲል ከነማ ነዚ ተፃዋታይ ምፍራሞም ስዒቡ ድማ ኣብ ምጥቃዕ መስመር ዘለዎም መማረፂ ክሰፈሓሎም ትፅቢት ይግበር፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of