ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ትግራይ ዑደት ንምክያድ መቐለ ኣትዮም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/07/2012)ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ዑደት ንምክያድ ትማሊ ኣማሽዩ መቐለ ኣትዩ ፡፡

ብምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍቲን ኣሸይድና መሓመድ ዑስማን ዝምራሕ 12 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ኢንቨስትመንትን ክልተኣዊ ርክብ ኣድሂቡ ዑደት ንምግባር መቐለ ኣትዩ፡፡

ብምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍቲን ኣሸይድና መሓመድ ዑስማን ዝምራሕ 12 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ኣብ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዑደት ንምግባር መቐለ ኣትዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ንምዕዛብን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ህዝቢ ትግራይን ሱዳንን ኣድሂቡ ንምዝታይን ከምዝኾነ ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባባሪ ምሕዝነት ትግራይ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምንው ገሊፆም፡፡ኣብ ትግራይ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ሓደ ሰሙን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተዘዋዊሮም ዘለዉ ፀጋታት ትግራይ ክዕዘቡ እዮም ኢሎም፡፡

       ብፍላይ ነቲ ጉጅለ መሪሑ ዝመፀ ምክትል ፕሬዚዳንት ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ሕብረት ሱዳንን በዓል ሃፍቲን ኣሸይድና መሓመድ ዑስማን ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ገዚፍ ኢንቨስትመንት ዝወነነ እዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡ 

         እቲ ጉጅለ ሰብ ሃፍቲ ሱዳን ምስ ምክትል ርእስ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት ላዕልዎት ኣመራርሓን ተራኺቡ ብምዝታይ ዑደቱ ከም ዝዛዝም ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምንው ገሊፆም፡፡

       ትግራይ ቴሌቪዥን


0