ዶ/ር ኣብይ ንሚኒስተር ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትርን ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር ካብ መዝነተን ክልዓላ ገይሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  13/05/2012ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝገለፆ ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስትርን ተመዲበን ክሰርሓ ዝፀንሓ ሚንስተር ፈትለወርቅ ገ/እዝጋብሄር ንዝገበርኦ ኣበርክቶ ብምምስጋን ካብ ዕለት 06 ጥሪ 2012 ዓ.ም  ካብ ሓላፍነተን ከምዝተልዓላ ድሕሪ ምሕባር ኣብ ክንደአን ሓላፊ ቢሮ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ኸገልግሉ ዝፀንሑ ኣይተ መላኩ ኣለበል ከምዝተሸሙ ዶቸቬለ ሓቢሩ፡፡

        ድሕሪ እዚ ዉሳነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድምፂን ደገፍን ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ኣመራርሓ ህወሓት ንዉህደት ዉድብ ምንፃጎም ስዒቡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ወከልቲ ህወሓት ካብ መዝነት ብምእላይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅልኢትን ፖለቲካዊ ፍልልያት ንዘለዎም ብኣዉሩኡ ኽኣ ንኹለመዳይ ተግባሩ ንዝደገፉ ናብ መዝነት የምፀኦም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢቶ ማሕበራዊ ሚድያ ይገልፁ ፡፡


0