ድምፃዊ ኣሚር ዳውድ ዓሪፉ

ድምፃዊ ኣሚር  ዳውድ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ጥበብ ንሰማዕቲ ዘቅረበ እንትኾን ብፍላይ ኣብ ታሪኽን ጅግንነትን ተጋሩ ዝደረፋ ኣይሞቱን ጀጋኑና ፣ ዓደይ መቐለን ፣ ወዲ ውለዲ እሞ መለስ በልዮ መለስ፣ከኣሎ ዝብላ ደርፍታቱ ኣብ ሰማዕቲ ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደራ እየን ።

ብግጥምን ዜማን ዓደይ መቐለ ተዓዋቲ መድረኽ ሽልማት ኪነጥበባት- ትግራይ ዝኾነ ኣሚር ዳውድ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሰርሖ ሙሉእ ካሴት ንካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር ብግፍዒ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ሙሉእ ንሙሉእ ዘወፈየ ሓቦኛ ትግራዋይ እዩ ።

ኣሚር ዳውድ ንዝተፈላለዩ ከየንቲ ግጥምን ዜማን ብምሃብ እውን ይፍለጥ ።

ኤፍ ኤም መቐለ 104.4 ንስድራ ከያኒ ኣሚርን መላእ ኣድነቕትን ምፅንዕናዕ ይምነ ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of