ደቡብ ኮርያ “ካብ ኣሜሪካ ናብ ሃገራ ንዝኣትዉዋ ኩሎም ምርምራ ቫይረስ ኮሮና ኽገብሩ’ዮም” ኢላ፡፡

ደቡብ ኮርያ ካብ ኣሜሪካ ናብ ሃገራ ንዝኣትዉ ኣጋይሽ እንተነኣሰ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ጊዝያዊ መፅንሕን መከታተልን ዝተዳለወ ቦታ ከምዝፀንሑን ንኹሎም ክኣ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምተካይደሎም አፍሊጣ።

እቲ ስጉምቲ ካብ ሎሚ ሰኑይ ከምዝጅመር ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ንዚ መስርሕ እዚ ኣብ ግብሪ ክዉዕል ዝተገደደ ኣብ ሃገሩ ዝዛመት ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ካብ ደገ ብዝኣትዉ ኣጋይሽ ምዃኑ እኹል መረዳእታ ስለዘለኒ’ዩ በሃሊ’ዩ፡፡


0