ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ንዶ/ር መራራ ጉዲና ሓዊሱ ን6 ምሁራት ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ኮይኖም።

ቦርድ እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፥ ዶክተር ምሩፅ ግደይ፣ ዶክተር ሓጎስ ኣሸናፊ፣ ዶክተር ሂሩት ወልደማርያም፣ ዶክተር ተፈሪ ገድፍ፣ ዶክተር መረራ ጉዲናን ዶክተር ጌታቸው ኣሰፋን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ኣፅዲቑ።

ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ዝወሃብ፥ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር፣ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን፣ ኣብቲ ዩንቨርስቲን ማሕበረሰብ ከባቢን ሴኔት እቲ ዩንቨርስቲ ትፅቢት ብዝገብሮ ልክዕ እጃሙ ዝተዋፅአን ንውፅኢታዊ ህንፀት ስርዓት ፍልጠት ዓለም ዘለዎ ኣበርክቶን መሰረት ብምግባር እዩ ይብል ፀብፃብ ኢቢሲ።

28/05/2011

Leave a Reply

Your email address will not be published.