ዩንቨርስቲ መቐለ ውሑስ ሰላም ንክህሉዎ ዘኽእል ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣባላት ፎረም ሰላምን ሓለዋ ከባቢን እቲ ዩንቨርስቲ ገሊፆም።

እቲ ዩንቨርስቲ ሰላሙ ውሑስ ኮይኑ ንክቕፅል ካብ ኣቀባብላ ተምሃሮ ጀሚሩ ከምዝተሰርሐሉ ዝሓበሩ እቶም ኣባላት ፎረም፥ ውዳበ ፎረም ሰላምን ሓለዋ ከባቢን ምስ ተምሃሮ፣ ፖሊስን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ከተማ መቐለ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

በቲ ዝግበር ዘሎ ምውዳድ ክሳብ ሐዚ እወንታዊ ውፅኢት ከምዘሎ ድማ ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ተምሃሮ ዩንቨርስቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ሰለሙን ፀጋይ ገሊፆም።

ዝምልከቶም ኣካላት ፀፅታ እቲ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ንክኸይድ ዘኽእል ስልጠና ንማሕበረሰብ እቲ ዩንቨርስቲ ከምዝተውሃቡ ድማ ሓቢሮም።

ብሳላ እቲ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ክሳብ ሐዚ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከምዘየጋጠመ ዝሓበሩ እቶም ኣካያዲ ስራሕ፥ እቲ ዝተጀመረ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ብምቕፃል ውሑስ ሰላም ዩንቨርስቲ መቐለ ከምዝረጋገፅ እምነቶም ገሊፆም።

10/05/2011


0