ዝጀመርናዮ ናይ ጣብያን ወረዳን ሪፎርም ስራሕቲ ተጠናኺሩ ናብ ተግባር ክኣቱን በዚ ኣቢሉ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ምንቅስቓስ ክግበር ኣንፈታት ከምዘነፀረ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ገሊፁ።

(ኤፍኤምመቐለ  05/02/2012) እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ንዝሓለፉ 7 መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ 2011 ዓ/ም ዝተታሓዙ መደባት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ውድባውን ፖለቲካውን ስራሕትን ኢሉ እውን ኣብዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝተኻየደ ኩለ መደያዊ መኸተን ቃልስን ነዚ መሰረት ገይሩ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝርዝር ከምዝገምገመን ኣብዚ ፍሉይ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ዝተራኣዩ ጥንካረታትን ጉድለታትን ብልክዑ ገምጊሙ ካብዚ ክወስድ ዝኽእል ትምህርቲ ብምፍላይ ኣብዚ ዓመት ክስርሑ ዝግበኦም ልምዓታውን ፖለቲካውን መደባት እውን ኣፅዲቑ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ ሃገራዊ ኩነታትን ምዕባለታቱን ብምግምጋም ኣብ ቀፃሊ ንዝህሉ ቃልሲ መሰረት ዝገበረ ናይ መኸተን ድሕንነትን ኣንፈታትን መደባትን ብዝርዝር ተማይጡ ኣብዚ ዓመት ክህሉ ዝኽእል ኩለ መደያዊ ቃልስን ርብርብን ናብ ልዑል ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእል ውሳነታት ብምሕላፍ ኣኼብኡ ምዝዛሙ ኣመላኺቱ።

ኣብ ትግራይ ምስ ዘለው ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን እውን ብሓባር ንምስራሕ ህወሓት ዝተፈለየ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ብምግላፅ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኩነታት እናኸበደን እናኸፍአን ይኸድ ስለዘሎ ክገጥምና ዝኽእል ፈተና፣ ነዚ ፈተና ንምስጋር ዝሓተና ፃዕርን ቃልስን ኣዕርዩ ክዛይድ እዩ ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ካብ ዘለው ሃገር ዘፍርሱ ምንቅስቓሳት ጉዳይ ውሁድ ፖርቲ እዩ ዝበለ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሓዉን ሓሰርን ዝተሸከመ ኢህወዴግ ይትረፍ ውህድ ፓርቲ ክምስርት ከም ግንባር እኳ ክቕፅል ዘይኽእል ዝተበተነ ውድብ እዩ ከምዝኾነን ህወሓት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓዲ ዝብትን ተግባር ጨብረቕረቕ ክብል ከምዘይደሊ ክፍለጥ ይግባእ ኢሉ::

ኣብዚ ዓመት መረፃ ክካየድ ግድን ምዃኑ ብምዝኽኻር መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ዝኾነ ዓይነት ምድላው ዘይግበር ዘሎ ብቑዕ ምድላው ኣይገበርናን ኢልካ መረፃ ንምንዋሕ ዝግበር ፃዕሪ ብምዃኑ ፍፁም ተቐባልነት ክህልዎ ኣይኽእልን ኢሉ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of