ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣፍሪካ እዋናዊ ኩነታት ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌደሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ሩዋንዳን ፓል ካጋሜ፣ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳን ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሬዚዳንት ሩዋንዳን ፓል ካጋሜ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ኣፍሪካ ከምዚ ዝበለ ፀገም እንተጋጥም እታ ኣህጉር ባዕላ መፍትሒ ንምምፃእ ፃዕሪ ምግባራ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ንከይህሊ ዝገብር እዩ ኢሎም።

ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ስዒቡ ዝተፈጠረ ናዕቢ ኣብታ ሃገር ኣፍልጦ ብዝተውሃበን ትካላት ክፍታሕ ከምዘለዎ ድማ ርእይቶኦም ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ጆሴፍ ካቢላ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋዕ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ከምዘይከኣሉ ዝሓበሩ እቶም ኣቦ መንበር፥ ይኹን እምበር ሕብረት ኣፍሪካ ዝህቦም መፍትሒታት ንምትግባር ድሉው ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።


0