ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ሰማዒ ዝሰኣነ መንግስቲ ኡጋንዳ ብበትሪ ሕጊ ከተግብር ጀሚሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ18/07/2012)ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብን ናብን ምሉእ ብምሉእ ብምግታእ ብዘይካ ኣብያተ መግብን ሱፐርማርኬትን ኩሎም ትካላት ንግዲ ክዕፀዉ ዝኣወጀት ሃገረ ኡጋንዳ ንትግባረ እቲ ዝደንገገቶ ኣዋጅ ኣብ ልዕሊ ዘየተግበሩ ዜጋታታ ኣብ ሓይሊ ዝተሞርኮሰ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዝተገደደት ተሓቢሩሎ፡፡

ፖሊስ ሃገረ ኡጋንዳ ትካላት ንግዲ ኣብ ልዕሊ ዘይዓፀዉ ሰባት ኣብ ፎቖዶ ፅርግያታት ከጓይይዎምን ክወቕዕዎምን ከምዝተርኣዩ ቢቢሲ ሓቢሩ።


0