ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምግታእን እንኮ መድሓኒቱ ካብ ገዛኻ ዘይምዉፃእ ምዃኑ ዉድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ፡፡

ቫይረስ ኮሮና ብብዝሒ ሰባት ኣብ ዝእከብሉ ከባቢ ብቐሊሉ ናይ ምዝማትን በዚ ኣቢሉ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ምዝማት ተኽእልኡ ልዑል ስለዝኾነ ደቂ ሰባት ካብን ናብን ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ንጊዚኡ’ዉን ኽግታእ ከምዘለዎ ጀነራል ዳይሬከረተር ዉድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣፍሊጦም፡፡

ካብን ናብን ንዝግበር ምንቅስቓስ ደቂ ሰባት ዝደረታ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣዉሮፓ ለዉጢ ምርኣይ ጀሚረን ዘለዋ ሳላ’ቲ ዝወሰድኦ ስጉምቲ ምድራት’ዩ ዝበሉ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም በዚ ዝተረኸበ ለዉጢ ድማ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኽዘናጋዕ ከምዘይብሉን እቲ ቫይረስ ናይ ምዝማት ዕድሉ ሐዚ’ዉን ገና’ዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም፡፡

“ዋላ እኳ ኣብ ምዕራብ ኣውሮፓ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ገለ እንተነከየን ኣብ ገለ’ውን ኣብቲ ዘለዎ ደው እንተበለን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ማእኸላይን ደቡብን ኣሜሪካ ከምኡ’ውን ኣብ ምብራቕ ኣውሮፓ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ይገድድ’ሎ” ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣስዒቦም ድማ “ዝኾነ ዓይነት ጌጋ ክንፍፅም የብልናን ገና ብዙሕ መንገዲ ይተርፈና ኣሎ፡፡ ዝርገሐ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ገዛ ኮፍ ምባልን ብስብ ሞያ ዝውሃብ መምርሒታት ኽትግበርን ከምዘለዎ ድሕሪ ምሕባር እዚ እቲ እንኮ ንዓለምና ናብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮቶ ክመልሳ ዝኽእል መንገዲ’ዩ። ስለዚ ንጊዚኡ ንፀመም፡፡” ክብሉ ምዒዶም ኣለዉ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0