ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽድሽተ ሃገራት ኣፍሪካ በፂሑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  24/06/2012)

ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽድሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝተዛመተን ናይጀርያ ፣ ግብፂን ኣልጀርያን ግዳይ እቲ ቫይረስ ኮይነን ከምዝፀንሓን ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሃገራት ሞሮኮ፣ ቱንዝያን ሰኔጋልን ግዳይ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቡ ተፈሊጡ ፡፡

 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ ሞሮኮ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገረ ጣልያን ዝኣተወ ሞሮካዊ ግዳይ እቲ ቫይረስ ምዃኑ ከምዝተረጋገፀ ፤ ኣብ ሃገረ ቱኑዝያ’ዉን ኣብ ሓደ ወዲ 40 ዓመት ቱንዝያዊ ከምዝተለኸፈን እዚ ዉልቀ ሰብ ኣብ ቀረባ እዋን ብጃልባ ናብ ገማግም ሃገረ ጣልያን ተጓዒዙ ድሕሪ ምምላሱ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኾቦን ኣብ ሃገረ ሴኔጋል እዉን ሓደ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ በፂሑ ናብ ሴኔጋል ኣብ ልዕሊ ዝተመለሰ ፈረንሳዊ ግዳይ እቲ ቫይረስ ምዃኑ ከምዝተረጋገፀ ቢቢሲ ገሊፁ፡፡


0