ዝርገሐ ኤች ኣይቪ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጠርዚን ኣብ ዘሰክፍን ብርኪ ከምዝርከብ ቤት-ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ኤይድስ ፌደራል ገሊፁ።

   (ኤፍኤምመቐለ  24/03/2012  እቲ ዝርገሐ ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣብ ክልላት ጋምቤላ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ሃረር፣ዓፋር፣ ትግራይ፣ ኣምሓራን ቤንሻንጎል ጉሙዝን፡ ኣብ ዘሰክፍን ላዕለዋይ ጠርዚ ከምዝርከብን  ኣብ ክልላት ሶማል፣ ኦሮሚያን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ድማ እተን ዝሐሻን ትሑት ለበዳ እቲ ቫይረስ ዝተርኣየለን ከባቢታት ምዃነን ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ቤት-ፅሕፈት ኣይተ ዳንኤል በትረ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ’ሎ።

             ብመሰረት ሕጊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ሚእታዊት በቲ ሕማም እንተድኣ ተታሒዙ  ለባዳ ከም ዝቑፀር ብምግላፅ  ኣብ ክልላት ጋምቤላ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ሃረር፣ዓፋር፣ ትግራይ፣ ኣምሓራን ቤንሻንጎል ጉሙዝን፡ ብመንፅር እቲ ዝቐመጠ ረቛሒ ኣብ ለበዳ ከም ዝርከባን  ብደረጃ ሃገር ዘሎ መጠን ግን ለበዳ እዩ ንምባል ከም ዘይከኣል ወሲኹ ሓቢሩ።

              ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዝርገሐ ቫይረስ መናእሰይ ልዑል ምዝንጋዕን ዘይምጥንቃቕን ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ቤት ጽሕፈት እዚ ዝወለዶ በብዓመቱ ልዕሊ 23 ሽሕ ዜጋታት ሃገርና በቲ ቫይረስ ከም ዝተሓዙን ልዕሊ 11 ሽሕ ድማ ሕማም ኤድስ ዝሳዕቤኖም ተዛመድቲ ሕማማት ከም ዝሞቱ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።

             ካብ ሞንጎ እተን ትሑት ዝርገሐ ኤችኣይቪ ዘለወን ክልላት ሃገርና ክልል ሶማልን ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብን ከምዝኾና እቲ ቤት ፅሕፈት ወሲኹ ገሊፁ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of