ዜጋታት ጃፓን ናብ 73 ሃገራት ከይገሹ መንግስቲ ጃፓን እገዳ መገሻ ኣንቢሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ22/07/2012)መንግስቲ ጃፓን ካብ ሑቡራት ኣሜሪካ ፣ ቻይና ፣ ደቡብ ኮሪያ ፣ እንግሊዝን ካብ  ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ኣብ ልዕሊ ዝወጠኑ ገያሾ ከይኣትውዋ እግድ ከተንብር ትሸባሸብ ከምዘላን ንዜጋታታ’ውን ናብ 73 ሃገራት ግዳያት ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ከይገሹ ድማ ሓቲታ’ላ።

ኣብ ሃገረ ጃፓን ዛጊድ 1,953 ሰባት ብረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉን 56 ሰባት ድማ በቲ ዝርግሐ ቫይረስ ከምዝሞቱ ቢቢሲ ገሊፁ’ሎ ።


0