ዘይሕጋዊ 14 ሽጉጣት ኣብ ቁፅፅር ዉዒሉ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  19/03/2012) ድወት ንቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ከተማ ዉቕሮ ብምጥቃስ ከምዝሓበረቶ እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክዘዋወር ዝተረኸበ 14 ሽጉጣትን ሓሙሽተ ዘይሕጋዉያን ኣዛወርቱን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ  ዉዒሎም ዘለዉ ህዝቢ ብዝሃቦ ሓበሬታ እዩ ፡፡

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሓዱሽ ኣሰፋ ከም ዝበልዎ እቲ ዘይሕጋዊ 14 ሽጉጣት ምስ 100 ጠያይቶም ተታሒዞም ዘለዉ ስርሓት ቱርኪ ከምዝኾኑን ኣብ መቐለን ከባቢኡን ንምሻጥ ዝዓለመ ከም ዝኮነ ድማ ካብ ዝተገበረ ምርመራ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኢሎም ፡፡

ኣብቲ ገበን ኢድ ዝነበሮም ሓሙሽተ ጡርጡራት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብምውዓል እቶም ኣርባዕተ ሽዑ ንሽዑ ኢድ ብኢድ ካብ ስለስተ ክሳብ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ብማእሰርቲ ክቅፅዑ ዝተፈረዶም ኮይኖም ሓደ ድማ ንውሳነ መዝገቡ ተቆፂሩ ከም ዘሎ ኣረዲኦም ፡፡

ህዝቢ ፀጉሪ ለወጥን ዘይሕጋዊ ስራሕትን ንምክትታል ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝነኣድ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ድሕንነት ህዝቡን ክልሉን ንምሕላው ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ፀዊዖም ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of