ውፅኢት ፈተና መእተዊ ላዕለወት ትካላት ትምህርቲ 5 ነሓሰ 2011 ዓ/ም ዕላዊ ከምዝኸውን ኤጀንሲ ፈተናን ምዘናን እዛ ሃገር ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)ኤጀንሲ ፈተናን ምዘናን ኢትዮጵያ ውፅኢት ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ፣ 5 ነሓሰ ድሕሪ ቀትሪ መርበበ ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ ዕላዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ካብ ዝተመዝገቡ ጠቅላላ 322 ሸሕን 717 ተምሃሮ ፈተና ዝወሰዱ  319 ሽሕን 264 ከምዝኮኑ እውን እቲ ኤጀንሲ ገሊፁ ።

ኣብቲ ዕለት ውፅኢት ንምርኣይ መርበብ ሓበሬታ ኤጀንሲ app .neaea.gov.et ክጥቀሙ ተሓቢሩ ኣሎ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of