ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቦይንግ ዴኒስ ሙይለንበርግ፤ ካብ ሓላፍነቱ ተሰጓጉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  14/04/2012  ዴንስ ሙይለንበርግ ካብ መዝነቱ ተባሪሩ ዘሎ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ማልዥያን  ዝውነና  ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብዚ ዓመት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ምስኣጋጠመንን ህይወት ኣብተን ነፈርቲ ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ምስቀጠፈን ብድሕሪኡ ዘርኣዮ ዝሕቱል መስርሕ ስዒቡ እዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

        ብድሕሪ’ቶም 2 ሓደጋታት  ኩለን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ከይንቀሳቐሳ ተኣጊደን ከምዘለዋ ዝሓበረ ቢቢሲ  እቲ ኩባንያ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝገብሮም ርክባት ከም ብሓድሽ ንምጅማር ናይ መሪሕነት ለውጢ ምግባር ከምዘድሊ ኣባላት ቦርድ እቲ ኩባንያ ከምዝወሰኑ ኣረዲኡ።

     ኣብ ሶፍትዌር እተን ነፈርቲ ፀገም ከምዝነበሮን እዚ ንምዃኑ ኽኣ  ብትካላት መርመራ ኣመሪካ ከም ዝተረጋገፀን እቲ ኩባንያ ኣብ መወዳእታ ዓመት ኤውሮጳውያን ነቲ ዝነበሮ ፀገም ብምምሕያሽ ተመሊሱ ናብ ስርሑ ክኣቱ ትፅቢት እኳ እንተነበረ ከይተተግበረ ብምትራፉ ቀንዲ ምኽንያት ምስጓግ ዴኒስ ሙይለንበርግ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of