ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጅነር ኣብርሃም በላይ ምንቅስቓስ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 29/09/2011)እቶም ዋና ኣፈፃሚ ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምንቅስቓስ ከይዲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ቀዳማይ ስራሕ ምዃኑ ብምግላፅ ዘመናዊ ሳይንስ ተኸቲሉ ክስራሕ ካብ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ከም ዝተላቐቐ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ ፕሮጀክታት ተቋሪፁ ዝብል ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም እቲ ግድብ ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋን ክዛዘም ትኹረት ተዋሂብዎ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኣፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of