ኮሮናቫይረስ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምእታዉ ተረጋጊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  23/05/2012)ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኮሮና ቫይረስ ከምዝኣተወን ዛጊድ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ክልተ ሰባት ከምዝተረኸቡን ቢቢሲ ገሊፁ፡፡  እቶም ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ቫይረስ ኮይኖም ዘለዉ ካብ ሓደ ስድራቤት ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ሰብ መዚ ጥዕና ሃገረ እንግሊዝ ጉቡእ ክትትል ሕክምና ንኽረኽቡ ናብ ሆስፒታል ኒዉካስትል ከምዝተልኣኹ ተፈሊጡ’ሎ፡፡ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ  እዞም ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ስዒቡ  ካብታ ምንጪ ምክፍፋል ናይቲ ቫይረስ ምዃና ትግለፅ ዘላ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝመፁ 83 ዜጋታት እንግሊዝ 27 ወፃእተኛታት ዝሐዘት ነፋሪት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተወትን  ኩሎም እቶም  ካብ ከተማ ዉሃን ዝኣተዉ ተጓዓዝቲ ን14 መዓልታት ኣብ ዊራል ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተፈልዮም ክፀንሑ ከምዝተወሰነ ተፈሊጡ’ሎ። በቲ ለበዳ ቫይረስ ዚጊድ ኣብ ቻይና ን213 ዜጋታት ክቐትል እንከሎ ኣስታት 10 000 ብረኽሲ እቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉን  ኣብ ካልኦት 20 ሃገራት’ውን ኣስታት 100 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ቢቢሲ ሓቢሩ።


0