ክብርታት ብሄር ብሄረሰባት ንምንእኣስን ንምድኻምን ሃቂኖም ንዝንቀሳቀሱ ብትሪ ምቅላስ የድሊ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  29/03/2012     ክብርታት ብሄር ብሄረሰባት ንምንእኣስን ንምድኻምን ሃቂኖም ካብ ንሓድነት ንፍልልያት ከምዘጉልህ ኣብ መፅናዕቲ ዘይተሞርኮሰ ፖለቲካዊ መናፍሓት ንዘሰጉሙ ደቂ ጊዜ ፖለቲከኛታት ብትሪ ምቅላስ ከምዘድሊ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣፍሊጡ፡፡

         ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣፍቲ ሎምዓመንቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብድምቀት ዝተኸበረ መዓልቲ ብሄርን ብሄርብሄረሰባትን ሃገርና ተረኺበን ኣብዘስመዖኦ መደረ ከምዝገለፀኦ ቡዙሕነትናን ክብርታትናን ብኣግባቡ ተዘይተታሒዞም ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ስግኣታት ከምዘሎ ኩሉ ብምፍላጥን ብምርዳእን ንዚ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ዓቂብና ተሒዝናዮ ዉፅኢት ፅንዓትናን ፅባቐናን ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢረን ፡፡   

        መዓልቲ ብሄርን ብሄርብሄረሰባትን ሃገርና ኩሎም ብሄራት ዝሃርፍዎ ምኽንያት ንክብርታትን ያታን ነፍስ ወከፍ ብሄር ብማዕረ ዘኽብሩሉና ሓደ ብሄር ካፍቲ ካሊእ ብሄር ተራኺቦም ታሪኾምን ባህሎምን ዝመሃሃርሉ ብምዃኑን እዩ ዝበላ ወ/ሮ ኬርያ ንክብርታትን ያታን ብሄርን ብሄረሰባትን ከም ምኽንያት ፍልልያት ገይረካ ምቑፃር ክእረም  ዝግባእ ጌጋ ርድኢት ፖለቲከኛታት ደቂ ጊዜ ምዃኑ ኣስሚረናሉ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of