ኬንያውያን ኣመንቲ እስልምና ኣብ ቃልሲ ፅንፈኛታት ክሕግዙ ፕረዝደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ፀዊዖም፡፡

ፕረዝደንት ኬንያ ኣብ ስነ-ስርዓት ኣፍጥር እንትርከቡ ንፈለማ እዋን እዩ ዝተበሃለሉ ምርካብ ኡሁሩ ኣብ መስጊድ ጃምያ ዜጋታት ሃገሮም ሓድነት ክህልዎም ምስ ፀውዑ ኣመንቲ እስልምና ኬንያውያን ኣብ ቃልሲ ገበንን ፅንፈኝነትን ምስ መንግስቲ ተዋዲዶም ክሰርሑ ፀዊዖም፡፡

ጎንፂ ብእስላም ወይ እውን ክርስቲያን ዘይኮነ ዝለዓል ብገበነኛታት እዩ ዝበሉ ኡሁሩር ኬንያታ ገበነኛታት ንቃልሶም ድማ ፀላእቲ ኣስላምን ክርስቲያንን ብሓፈሻ ፀላእቲ ኩሎም ሃይማኖታት ብምዃኖም እዮም ኢሎም፡፡

ኬንያ ኣብ ሶማሊያ ብዝንቀሳቐስ ጉጅለ ዕጡቕ ኣልሸባብ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክበፅሓ እዩ ፀኒሑ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of