“ካብን ናብን ምንቅስቓስ ደቂሰባት ዞባታት ትግራይ ካብ ፅባሕ ባሕቲ ሰነ 2012 ክላዓል’ዩ፡፡” ዶ/ር ደብሪፅ፡፡

ኣካቢ ኮማንድ ፖሰት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል -ንምክልኻልን ንምግታእን ቫይረስ ኮሮና ክበሃል ካብን ናብን ዞባታት ተነቢሩ ዝነበረ ምድራት ምንቅስቓስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ካብ ፅባሕ ባሕቲ ሰነ ጀሚሩ ከምዝተልዓለ ሓቢሮም፡፡


ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ካብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብ ሞንጎ ዝተወሰዱ ገለ ሓሳባት ክብል ቴለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ

  ኣብ መላእ ትግራይ ብልዑል ጥንቃቐ ከብን ናብን ምንቅሰቓሰ መጓዓዝያ ህዝቢ ተፈቒዱ ኣሎ፡፡

 እንዳ መሰተ ብልዑል ጥንቃቐ ክሳብ ምሸት ሰዓት 2 ጥራሕ ኣገልግሎት ክህባ ተፈቒዱ ኣሎ፡፡

 ማእኸላት መሰልጠኒ መግነሒ ፍቓድ መካይን 10 ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ ብምምሃር ኣገልግሎት ክህባ ተፈቒዱ ኣሎ፡፡

ጉዳይ ሃይማኖት ከከም ውሳነ እተን ኣብያተ እምነት ክልሕልሕ ዝግበኦ ከላሕልሓ ውሳነ ተመሓላሊፉ’ሎ፡፡


ምሉእ መግለፂ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ድሕሪ ውሰን ሰዓት ክቐርብ እዩ፡፡


0