ኩባንያ ቦይንግ ግዳያት ሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኖዥያ ሓደ ሚኢቲ ሚሊዮን ዶላር ከምዝኽሕስ ገሊፁ፡፡


(ኤፍ ኤም መቐለ 27/10/2011) እቲ ገንዘብ ብሓፈሻ ኣብ ክልቲኦም መንገዲ ኣየራት ብዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ 346 ግዳያት ዝወሃብ እንትኾን ከይዲ እቲ ካሕሳ ድማ ስድራ ግዳያት ብቤት ፍርዲ ንዘቕረብዎ ክሲ ዘይኮነስ እቲ ትካል ካብ ፍርዲ ወፃኢ ዘቕረቦ ክፍሊት እዩ ተባሂሉ፡፡

እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ክኽፈል እዩ ዝተበሃለ ካሕሳ ንስድራ ግዳያት ናይ ትምህርትን ካልኦትን ወፃእታት ንምሽፋን ዝውዕል ምኻኑ ኩባንያ ቦይንግ ሓቢሩ፡፡

ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት ቦይንግ  737 ማክስ 8 ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብ በረራ ከምዝኣገዳ ይዝከር፡፡

ኩባንያ ቦይንግ ኣብ ምምሕያሽ ሶፍትዌር እናሰርሓ ከምዝፀንሓ ዝተገለፀ ኾይኑ ቦይንግ 737 ማክስ 8 መዓዝ ዳግም በረራ ከምዝጅመር ግና ብንፁር ኣይተፈለጠን፡፡

ቦይንግ ብስድራ ግዳያት ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኢንዶኖዥያ ብዘሎ ክስተት ዝተመስረተሉ እንትኾን ምስ ስድራ ግዳያት ብምልዛብ ብስምምዕ ክውዳእን ካሕሳ ክኸፍልን ይዘራረብ ከምዘሎ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of