ከይዲ ምፅራይ ፀሊም ሳንድቅ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ተጀሚሩ፡፡

እቲ ሳንድቕ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝነበሩ ቃለ ምልልሳትን ኩነታት በረራን  ዘመላኽቱ መረዳእታት ከምዝሕዝ ዝገለፀ ጉጅለ ምፅራይ ፈረንሳይ ውፅኢት መዓልታት ክወስድ ከምዝኽእል ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ምፅራይ ንኢትዮጵያ ዝወከሉ ሰብ ሞያ ኣብ ምስታፍ ዘለው ኾይኖም ኣሜሪካ እውን 3 ሰብ ሞያ ሊኢኻ እያ፡፡

ብሰንበት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ናይሮቢ ትበርር ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝተበሃለት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሓምሽሻ ኩሎም ተጉዓዝትን ኣባላት በረራን ሞይቶም እዮ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0