ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ን18 መዓልታት ከካይዶ ዝፀንሓ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዛዚሙ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 03/10/2011)ምዝዛም እቲ ጉባኤ ኣብ ማሕበራውን መንፈሳውን ጉዳያት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብዝምልከት መግለፂ ተዋሂቡ፡፡

ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ፣ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ቅድሚ ሕዚ ብመንግስቲ ተወሪሶም ዝነበሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፊት ንፊት ቤት ትምህርቲ ዳግማዊ ምኒልክ ዘለው ክልተ ህንፃታት ንክምለሱ ምውሳኑ ኣዘኻኺሩ፡፡

ስለዝኾነ ነቲ ርኽክብ ንምፍፃም ዘኽእል ሰነዳት ብምምላእ ርኽክብ ከምዝተፈተነ ተገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኮርፕሬሽን ኣባይቲ ፌደራል ኣይተ ረሽድ ጀማል ፣ሰነዳት እቶም ኣባይቲ ንብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣኪቦምዎም ኣለው ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of