እንዳባጉና፡- ንስለ ዝኽሪ ጅግና ጀነራል ሰዓረ ሓወልቲ ንምቛም መሰረተ እምኒ ተቐሚጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  03/06/2012)ንስለ ክብርን ዝኽርን መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ኣብ መቦቆል ቃልሲ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ እንዳባ ጉና ብልዑል ፅምብል ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡ኣፍቲ ክብረ ብዓል ዝተረኸቡ ነባር ተጋዳላይን ኣምባሳደርን ፀጋይ በርሀ ተረኺቦም ህዝቢ ትግራይ ሎሚዉን ከም ቀደሙ ኣብ ጎኒ ህዝቡ ደዉ ብምባል ቃልሱ ከሐይል ፀዊዖም፡፡ኣፍቲ ዝኽረ ብዓል ኣብ ሑሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ወተሃደራዊ ኣበርክትኡ ንዘዕዘዘን ሃገር ሰላም ኣሎ ኢሉ  ንሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣብ ምምራሕ ንዝነበረን ብቕንፀላ ንዝተሰወአን ኢታማጆርሹም ጀነራል ሰዓረ መኮነን  ንስለ ክብሩን ኣበርክትኡን ሓወልቲ ንምስራሕ ዘኽእል ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ እምነኩርናዕ ሰረት ኣንቢሮም፡፡


0