ኤርትራ እሱራት ፖለቲካ ክትፈትሕን ግፋ መንእሰያት ደው ከተብልን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ፡፡

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከርኢ ከምዘይከኣለ ብምንፃር  እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ብህፁፅ ክፈትሕን ግፋ መንእሰያት ድማ ብቑልጡፍ ደው ከብልን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ፡፡  

 ፍልይቲ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ሃገረ ኤርትራ   ዳኒኤላ ክራቨዝ ኣብ ዘቕረበኦ ዓመታዊ ፀብፃብ በቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍፅሞ ዘሎ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መሰል ኤርትራውያን ዓብይ  ሻቕሎት ከም ዘለወን ተዛሪበን።

 ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም መርኣያ እቲ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ምሕደራን ሰብኣዊ መሰላት’ዩ ክብል’ዩ ዝበላ ዳኒኤላ ክራቨዝ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዋሕዚ ስደት ድማ እቲ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ኣቃሊዐን።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ክኣ መስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ሓቀኛ ሰላም ወሪዱ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ዝእመን መንግስቲ ኤርትራ እዚ ሓቂ እንተኾይኑ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ንዘሎ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ቅድሚ 98 ዓ.ም.ፈ ናብ ዝነበሮ መስርሕ ክምለስ ይግባእ ነይሩ ዝበላ  ዳኒኤላ ክራቨዝ ፤ ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ እዚ ሃዋህዉ ሰላም ከምዘሎ ምእማኑ ሓዚ’ዉን እንተኾነ  ግፋ መንእሰያት ደዉ ከብሎ ኣይከኣለን ድሕሪ ምባል ብህፁፅ ግፋ መንእሰያት ኤርትራ ደዉ ከብል ንመንግስቲ ኤርትራ ሓቲተን ኣለዋ፡፡

“ናይ ፖለቲካ እሱራት ፣ ናይ ሕልና እሱራትን ብዘይሕጊ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡን  ክፍትሑ ኣለዎም” ዝበላ ዳኒኤላ ክራቨዝ ማሕበረሰብ ዓፋር ካብቲ ዝነብርሉ ቦታታት ብኣስገዳድ ኽግዕዙ ይግደዱ ምህላዎም ስዒቡ ንዝተቓወሙ ግዳይ ማእሰርትን ጭዉያን ይኾኑ ከምዘለዉ ኣቃሊዐን፡፡


0