ኤርትራን ኪርጊስታንን ንእገዳ ፕረዚደንት ትራምፕ ኮኒነን ።

(ኤፍኤምመቐለ  24/05/2012)ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ማለት ናይጄርያ፣ ኤርትራ፣ ኪርጊስታንን ሚያንማርን፡ ኣብ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክነብሩ ዘኽእሎም ቪዛ ከይረኽቡ ዜጋታት ሱዳንን ታንዛንያን ድማ ንኣመሪካ ኣብ ዘእቱ ሎተሪ ቪዛ ዲቪ ከየመልክቱ ዝኽልክል መምርሒ ምውዕኦም ይዝከር።መንግስቲ ኤረትራ ኣብ ዘወፆ ዕላዊ መግለፂ ነቲ ብፍሉይ ዝተነበረ እገዳ ብምኹናን መንግስቲ ኣሜሪካ ዝፈፀሞ ሕሉፍ ጌጋ ንምእራም ንዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝፃባእ እዩ ኢሉ ።   ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣይተ ዑስማን ሳልሕ መሓመድ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት ድማ  እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ዘሐርፍፍ እዩ ምባሎም ኣለጀዚራ ፀብፂቡ። መንግስቲ ኪርጊስታን ብወገኑ እቲ እገዳ ንርክብ እታ ሃገር ምስ ኣሜሪካ ዝሃሲ ምኻኑ ገሊፃ ።


0