ኣፈ ጉባኤ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ምስ ልኡል ተቐባሊ ንግስና ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ተዛትየን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 12/10/2011)ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ምስ ልኡል ወራሲ ዙፋን ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ነሀያን ተዛቲየን።

ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብ ዘምርሓ እንትኾና፥ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ነሀያንን ኣፈጉባኤ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፌዴራል እታ ሃገር ዶ/ር ኣማሌ ኣብዱላህ ኣል ኩባሲን ተቐቢሎሞን።

ወይዘሮ ኬሪያ ምስ እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርኡ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ክገብርኦ ዝግባእ ኩለ መዳይ ምትሕብባር ትኹረት ዝገበራ አንትኾና፥ ብፍላይ ኣብ ፓርላመንታዊ ስርዓት፣ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዘን ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም እዮም።

ከምኡ እውን ኣብ ሓበራዊ ረብሓታት ብምድሃብ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ልዝብ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ወይዘሮ ኬሪያን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ፓርላመንታዊ ስርዓት ድልየታት ህዝቢ ብምምላእ ንሰላም፣ ልምዓትን ምዕባለን ዘለዎ ረብሓ ብዝምልከት ተላዚቦም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ምትሕብባር ኣጠናኺረን ንምቕፃል ከምዝወሰና ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂምን ኣፈጉባኤ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፌዴራል እታ ሃገር ዶ / ር ኣማሌ ኣብዱላህ ኣል ኩባሲን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኣብ ዘጠናኽር ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

እቲ ሰነድ ርክብ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብን ንምጥንኻር ዝዓለመ እንትኸውን፥ ኣብ ምሕላው ሰላምን ምስ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ምድግጋፍ ኣብ ምምዕባልን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ክልቲአን መራሕቲ ቀጠናዊን ዓለም ለኻውን ሰላም ኣብ ምርግጋፅን ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻልን ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤሜሬት ዓረብን ሓቢረን ክሰርሓ ከምዘለወን ተስማዕሚዐን ኣለዋ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of