ኣይተ ኢሰያስ ጂራ 2ይ ምክትል ፕረዚዳንት ሴካፋ ኮይኖም ተመሪፆም ፡፡

 (ኤፍኤምመቐለ  09/04/2012 ትማሊ ኣብ ሃገረ ኬንያ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድድር ሴካፋ ሃገራት ማእኸላይን ምብራቕ ኣፍሪካን ፕረዝደንትን ምክትል ፕረዝደንትን መሪፁ’ሎ።

    ብመሰረት እዚ ንታንዛንያዊ ዋላሴ ካርያ ፕረዚዳንት ሴካፋ ፤ ደቡብ ሱዳናዊ ፍራንሲስ ኣሚን 1ይ ምክትል ፕረዚዳንት ንኢትዮጵያዊ ኢሰያስ ጂራ ድማ 2ይ ምክትል ፕረዚዳንት ገይሩ  መሪፁ’ሎ ከም ፀብፃብ ሶከር ኢትዮጵያ ፡፡

          ኣብ 1926 ... ዝተጣየሰ 12 ኣባል ሃገራት ዝሓዘን ቀንዲ ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ሃገረ ኬንያ ዝገበረን ሴካፋ ንኣስታት 20 ኣመታት ብዋና ፀሓፊ ኒኮላስ ሙሰንዬ ክምራሕ ከምዝፀንሐ ዝዝከር ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments