ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ንነዊሕ እዋናት ኣማኻሪ ስነቑጠባ ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ኮይኖም ካብ ሞንጎ እቶም ዑዙዝ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሙሁር ስነቑጠባ ሓደ’ዮም ነይሮም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  16/06/2012)ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብስነ ቑጠባ ቀዳማይ ዲግሪ ካብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ኽኣ ካልኣይ ዲግሪኦም ዝረኸቡ ከምዝነበሩን ካብ ካብ መፈለምታ ሰብዓታት ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ባንኪ ልምዓት ፤ ዋና ዳይሬክተር ትካል መፅናዕትን ልምዓትን ከምኡ’ዉን ኣብ ዉሽጢ ዝተፈላለያ ትካላት ዉድብ ሑቡራት መንግስታት ኣማኻሪ ስነቑጠባ ኮይኖም ኣገልጊሎም’ዮም፡፡

ኣይተ ንዋይ ገብረኣብ ብዝሓደሮም ሕማም ሕክምናዊ ሓገዝ ኽግበረሎም ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ 16 ለካቲት 2012 ዓ.ም. እዮም ዓሪፎም ፡፡ ክብል ዕላዊ መፅሓፈ ገፅ  (facebook) መለስ ዜናዊ ፋዉንዴሽን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

104.4 ሬድዮ FM መቐለ ዝተሰምዖ ሓዘን እንዳገለፀ ንስድራቤቶምን መሓዝቶምን ፅንዓት ይምነ፡፡


0