ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግሰቲ ኣምሓራ ኮኖም ተሸይሞም።

(ኤፍኤምመቐለ  15/11/2011)ባይቶ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብሕፁይነት ዝቐረቡ ኣይተ ተመስገን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ንክኾኑ ሸይሙዎም ኣሎ።

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣማኻሪ ፀፅታን ቴክኖሎጂን ርእሰ ምምሕዳር፣ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ መንገዲታት ገጠር ኣምሓራ፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ ኮንስትራክሽን መገዲታት ገጠር ኣምሓራ፣ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ጎጃም፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣምሓራ ብምዃን ኣገልጊሎም ኢዮም።

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣማካሪ ድሕንነት ንቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ክሳብ ቀረባ ክሰርሑ ዝፀንሑ እዮም ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of