ኣብ 2ይ ሰሙን ግጥማት ፕሪሚየርሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ተዓዊታ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  08/04/2012ኣብዚ ዓመት ናብ ፕሪሚየርሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ዝዓበያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፈለማይ ፅወትአን ኣብ ስታድዮም ትግራይን ጋንታ መከላከያ ኣታኣናጊደን 2-1 ብዝኮነ ውፅኢት ተዓዊተን፡፡

ዮርዳኖስ ምዑዝ ኣብ መበል 20 ደቂቃ ኣስካለ ገ/ፃዲቅ ድማ ኣብ መበል48 ደቂቃ ንጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ሽቶ ዘቁፅራ ተፃወቲ እየን፡፡ መሰሉ ኣበራ ድማ ኣብ መበል 53 ብፍፁም ቅላዕ ንጋንታ መከላከያ ካብ ባዶ ስዕረት ዘናገፈት ሽቶ ዘቁፀረት ተፃዋቲት እያ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of