ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ዩክሬን ተዋዛዪ ቭላድሚር ዘለንስኪ ተዓዊቱ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 15/08/2011) ፖለቲካዊ ልምዲ ዘይብሉ ዘለንስኪ 73 ሚኢታዊ ድምፂ መረፅቲ ብምርካብ ዝተዓወተ ኾይኑ ተነሓናሒኡ ፕረዚደንት ፔትሮ ፔርሼንኮ ድማ 24 ሚኢታዊ ድምፂ ረኺቦም፡፡

ዘለስንኪ ድሕሪ ዓወት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ዩክሬን ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዘዕብያ ቃል ኣትዩ፡፡

ምስ ንሩስያ ዝድግፉን ምግንፃል ዝጠልቡን ኣካላት ብምዝታይ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ከም ዝፅዕር እውን ገሊፁ፡፡

ፔሮቬንኮ ንሰዕረቶም ብፀጋ ምቕባሎም ድማ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of