ኣብ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ኣምሓርኛ ምምሃር ዝብል ምኽረ ሓሳብ እምበር ዘገድድ ሕጊ ኣይኮነን ኢሉ ሚኒስተር ትምህርቲ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/12/2011)ኣብቲ ሓድሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲን ስልጠናን ዘሎ ቋንቋ ስራሕ ፌደራል  ምምሃር ዝብል ምኽረ ሓሳብ እምበር ሕጊ ከምዘይኮነ ሚኒስተር ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጥላዮ ጌቴ ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስተር ትምህርቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓድሽ ፍኖተ ካርታ ትምህርቲ ስልጠና ፌደሪኢ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሸሙናይ ክፍሊ ቋንቋ ኣደ ምምሃር ምስትምሃርን ንክካየድ ከምዘቕምጥ ገሊፆም፡፡

ቋንቋ ስራሕ ፌደራል ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ንክውሃብ ኣብቲ ፍኖተ ካርታ ብብርኪ ምኽረ ሓሳብ ምክታቱ እውን ሓቢሮም፡፡

ይኹን ድኣ እምበር እቲ ጉዳይ ብክልላት ዝውሰን እምበር ብግዲ ተግባራዊ ንክኸውን እቲ ፍኖተ ካርታ ከምዘየገድድ ብምግላፅ ምስ ፌደራላዊ ስርዓት እዛ ሃገር ኣይፃባእን ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments