ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 30 ሽሕ ኣባይቲ ንተጠቀምቲ ከም ዝመሓላልፍ ሚኒስተር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣፍሊጡ፡፡

ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዘቕረቡ ሚኒስቴር እቲ ሚኒስተር ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ህንፀቶም ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ልምዓት ኣባይቲ ንምዝዛም ዘኽእሉ ስርሓቲ ከምዝተወገኑ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ በጀት ዓመት 44 ሽሕ ኣባይቲ ንምምሕልላፍ እኳ እንተተለመ 30 ሽሕ ኣባይቲ ንተጠቀምቲ ከምዝመሓላልፍ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published.