ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፅራን ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝተሰርሑ ስርሓቲ ዝድህስስ መፅናዕቲ ከምዘካየደ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ በቢዓመቱ 16 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ እንትትሓዙ 16 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ሂወቶመ ይስእኑ፡፡

ኣብ 2020 አቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ቁፅሪ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተተሓዙ ሰባት ብ75 ሚኢታዊ ንምንካይ ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ኢኒስቲትዩት ብሰንኪ ምዝሕሓል መዕበይ ግንዛበ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርግሓ እቲ ሕማም ይውስኽ ኣሎ ኢሉ ይብል ነቲ ኢኒስቲዩትት ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0