ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 17 ነጥቢ 8 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ ኢሉ ሚኒስተር ኣታዊ፡፡

ሚኒስተር እቲ ሚኒስተር ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተረኸበ እቶት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 51 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘርኣየ ገሊፀን፡፡

እቲ ኣታዊ ካብ ታክስ ውሽጢ ዓዲ 10 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር እንትእከብ ካብ ታክስን ቀረፅን ንግዲ ወፃኢ ድማ 7 ነጥቢ 3 ብሊዮን ብር ምርካቡ ገሊፀን ይብል ፀብፃብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ፡፡


0