ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ 200 ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ኣፅዋር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘዉዓለ ፌደራል ኮምሽን ፖሊስ ኣፍሊጡ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/03/2012ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ ትማሊ ሕታሙ ንንባብ ኣብ ዘብቀዖ ከምዝሓበሮ 70 ክላሽን ኮቭ ካብ ጋምቤላ ናብ አዲስ አበባ ብቑፅሪ ሰሌዳ  3-02265 ኢት ዝኾነት ቦጥ ማይ ፤ 34 ሽጉጥ ኣብ ታንከር ነዳዲ ሚኒባስ ቁፅሪ ሰሌዳ 3-63951 ኦሮምያ  ካብ ከተማ ሃረር ናብ ከተማ አዲስ አበባ ዝግዕዝ ዝነበረ ፤ ኣብ መቆፃፀሪ ጉምሩኽ ሞያሌ ብቑፅሪ ሰሌዳ   3-47008 ኦሮ 9 ሽጉጥ ፤ ኣብ ናቑጣ መፈተሺ አል በረከቴ ድማ 54 ክላሽን ኮቭ  ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘወዓለ እቲ ኮምሽን ኣፍሊጡሎ፡፡

        ምስቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ኣፅዋራት 749 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጠያይቲ ከምዝተትሓዙ ዝሓበረ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ካብ እዋን ናብ እዋን ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ወተሃደራዊ ኣፅዋር ብዝረቐቐ መልክዑ ይሰላሰል ከምዘሎን ህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ቃልሱ ከሐይል ከምዝግባእ ምዒዱ ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of