ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣንበጣ ከምዝተርኣየ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ገሊፁ ።

(ኤፍኤምመቐለ  28/12/2011) ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እታ ወረዳ ኣይተ ገ/መድህን ገ/ኪዳን እቲ ኣንበጣ ኣብ ክልተ ጣብያታት ዝተርኣየ እንትኾን ገና ናብ ዕስለ ዘይተሰጋገረን ዕሸል ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ በቲ ሕዚ ዘለዎ ዕድመ ኣዝርእቲ ናይ ምጥቃዕ ዓቅሙ ትሑት ስለዝኾነ ናብ ካልኦት ጣብያታትን ጎረባብቲ ወረዳታትን ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ብብርኪ ወረዳ ነባራይ ኩለን ጣብያታት እታ ወረዳ ዘካተተ ህፁፅ ምላሽ ዝህብ ኮሚቴ ተጣይሹ ቀትርን ለይትን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብታ ወረዳ ዘለው ሰፋሕቲ ሕርሻ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ እውን ዝራእቶም ካብ ባልዓት ኣንበጣን ካልኦት ሓሰኻ ዝራእትን ንምክልኻል ግራውቶም በብመዓልቱ ክፍትሹን ምስ ክኢላታት ሕርሻ ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም ይብል ፀብፃብ ጋዜጣ ወይን፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of