ኣብ ወረዳ ራያ ኣለማጣ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ወራር በልዓትን ሕማማትን ዝራእቲ ብብቕዓት ንምምካት ዘኽእል ዝተጠናከረ ምንቅስቓስ ይካየድ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጣ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  07 /01/2012) ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ኪኢላ ሓለዋን ክትትልን ዝራእቲ ኣይተ ኣሕመድ ሰላሕ ከም ዝበልዎ መፍረያይነት ዝራእቲ እታ ወረዳ ብሰንኪ ሕማማትን በልዓትን ከይንኪ ካብ ወረዳ ክሳብ ጣብያን ልምዓት ጉጅለታትን ኮሚቴ ብምጥያሽ ዝተጠናከረ ሓለዋን ክትትልን ዝራእቲ ይከየድ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፉ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ኣብቲ ወረዳ ኣጋጢሙ ዝነበረ ባልዕ ሓሰኻ ባርኖስ ኣሜሪካ ብባህላዊ መንገዲ ሓረስቶት ባዕሎም ዝተቐፃፀርዎ እንትኮኑ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ሓደጋ ከየብፀሐ ተበታቱኑ ከጠፍእ ከምዝተገበረ እቶም ክኢላ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ እዚ ከምኒ ቅንጨ መፀለምን ካልኦትን ዝበሉ ሓደገኛታት ፃህያይ ተፃህዮም ክውገዱ ከም ዝተገበረን እውን ሓቢሮም ይብል ካብ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ዞባ ደቡብ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of