ኣብ ወረዳ ሓውዜን ዑደት ልውውጥ ተመኩሮ ፕሮጀክት ምርግጋፅ ውሑስ መነባብሮ ሕርሻ ተሳሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  21 /01/2012) ፕሮጀክት ምርግጋፅ ውሑስ መነባብሮ ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ሓየሎም ዑደትን ምይይጥ መፍረያይነትን ሕርሻ ዘሳለጠ እንትኸውን ፣ንፈለማ እዋን በቲ ፕሮጀክት ተሓቒፎም ብመስመርን ኩታ ገጠምን ብምዝራእ ዑደት ዝተሳለጠሎም ሓረስቶት እታ ጣብያ ሽዑ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ዝተወሃቦም 30 ኪሎ ግራም ዘርኢ ስርናይ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ሕርሻ ተኸቲሎም ብምዝራእ ዝበለፀ ምህርቲ ከምዝረኸቡ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ዋና ዳይሬክተር ምርግጋፅ ውሑስ መነባብሮ ሕርሻ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኪዳነ ግደይ ብወገኖም አብዚ ፕሮጀክት ንፈለማ ግዘ ኣብ 50 ሓረስቶት እታ ጣብያ ከም ዝተጀመረ ብምሕባር እቲ ዘርኣይዎ ውፅኢታዊ ስራሕ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዕፅፊ ንምዕባይ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ኣካላት ድማ ምስ ከባብያዊ ስነ ምህዳር ዝስማዕማዕ ዘርኢ ብምዝራእ መፍረያይነት ሕርሻ ምዕባይ ከምዝከኣል ብምሕባር እቲ ዘርኣይዎ ብሉፅ ተሞክሮ ምስ ከባቢኦም ብምዝማድ መፍረያይነቶም ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም ክብል ድምፂ ወያነ ፀብፂቡ፡፡ 


0