ኣብ ወረዳ ሓውዜን ልዕሊ 155 ሚሊዮን ቅርሺ ካፒታል ንዘመዝገቡ 5 ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝተወሃቦም ፣ቤት ፅሕፈት ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንድስትሪን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 21/09/2011) ምክትል ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት መምህር ገብረዝሄር በርሀ ኣብታ ወረዳ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ክዋፈሩ ዝደልዩ 16 ሰብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ከምዝሓተቱ ብምሕባር ፣ካብዚኦም ልዕሊ 155 ሚሊዮን ቅርሺ ካፒታል ዘመዝገቡ ንሓሙሽተ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብካብኔ ወረዳ ፀዲቕሎም ፣ናብ ቢሮ ትልምን ከተማን ንግድን ኢንድስትሪን ክልል ትግራይ ተላኢኹ ክፀድቐሎም ኣብ ምፅባይ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

እቶም ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኣብ ፋብሪካ ቆርቆሮ ፣ሚስማርን ፣ኣብ ፋብሪካ ፕላስቲክን ክንድትን ፣ኣብ ፋብሪካ መፃረይ መዓርን፣ ኣብ ምህጣር ምሻጥን ከፍትን ጠቕላላ ሕርድን ኣቕርቦት ስጋን ክዋፈሩ ዝሓተቱ ምኻኖም ዝሓበሩ መምህር ገብረዝብሄር በርሀ ካብዚኦም ኣብ ምህጣርን ምሻጥን ከፍትን ጠቕላላ ሕርድን ኣቐርቦትን ስጋን ዝተዋፈሩ በዓል ሃፍቲ ግን ሕቶኦም ፀዲቕሎም ስራሕ ብምጅማር ስራሕ ዕድል ፈጢርሎም ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ወረዳ ሓውዜን ንኢንቨስትመንት ምችው ከባቢ እኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ቀረብ መሬትን ሕፅረት ካሕሳን ፣ሕፅረት ማይን መብራህትን፣ዞባ ኢንድስትሪ ዘይምክላልን ካልኦት ፀገማትን፣ ምንቅስቃስ ኢንቨሰትመንት እታ ወረዳ ከምቲ ዝድለ ንቕድሚት ክስጉምን ሕቶ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብዝግባእ ምምላስ ከምዘይተኸኣለን መምህር ገብረዝሄር በርሀ ኣፍሊጦም ይብል ኪኢላ ፕረስ ተኽለማርያም ተካ ዝለኣኸልና ፀብፃብ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of