ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ብልዕሊ 11 ሚሊዮን ብር ዝህነፅ ዘሎ ምንፃፍ እምኒ

(ኤፍ ኤም መቐለ 30/07/2011) ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ብልዕሊ 11 ሚሊዮን ብር ዝህነፅ ዘሎ 1ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትር ስራሓቲ ምንፃፍ እምኒ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ከምዝበፅሓ ተገሊፁ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መንገድን መጓዓዝያን ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣይተ ደሳለኝ ገብረ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ መለስ ቁሸት ላጪ ዘጋጥም ዝነበረ ፀገም መንገዲ ንምቅራፍን ፅባቐ ከተማ ንምርግጋፅን ብልዕሊ 11 ሚሊዮን ብር በጀት ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትር ምንፃፍ እምኒ ኣብ ምስራሕ ይርከብ ኢሎም፡፡

ህንፀት እቲ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ ዛጊድ 60 ሚኢታዊ ከምዝትወገነ ንልዕሊ 144 ወገናት ሓድሽ ስራሕ ዕድል ከምዝተፈጠረ ሓቢሮም ክትብል ኪኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ሰሜን የሺወርቅ ኣስማረ ፀብፂባ፡፡


0