ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ማሀል ከተማ ብመጥቃዕቲ ቡምባ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  01/07/2012)ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ከተማ ማሀል ሜዳ  ብመጥቃዕቲ ቡምባ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ ዘሎ ሓደ ዉልቀ ሰብ ብዝደርበዮ ቡንባ ኢድ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

ኣዛዚ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ ዋና ኢንስፔክተር ጥላሁን ደበበ ከምዝገለፅዎ እቲ ቡምባ ኢድ ብምድራባይ ህይወት 3 ዉልቀ ሰባት ሓሊፉ ዘሎ ኣብ ቀበሌ 03 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ እታ ከተማ ኣብ ሓደ እንዳመሸታ እዩ፡፡

 በቲ ዝተወሰደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካልኦት 3 ሰባት እዉን ከቢድ ሃስያ ከምዝወረዶምን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ደብረብርሃን ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ፡፡

ንቲ ገበን ዉዒልዎ እዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዉልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ብቡምባ ኢድ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ብሽጉጥን ብኻራን ኣብ ልእሊ ካልኦት 13 ሰባት’ዉን ጉድኣት ከምዝብፀሐን እንተኾነ ግን እቲ ዉልቀሰብ ክሳብ ሐዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘይወዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ ክብል ማዕኸን ዜና ፋና  ፀብፂቡ፡፡


0