ኣብ ክልልና ኣገልግሎት ሕክምና ጨረር ብኣግባቡ ንዘይጥቀሙ 10 ሆስፒታላት መጠንቀቅታ ከምዝተውሃበ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ገሊፁ፡፡

ኣብ ኣጠቓቅማ ቴክኖሎጂ ጨረር ኣድሂቡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ዳሬክተር ምቁፅፃርን ምክልኻልን ጨረር  ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣይተ ግዛቸው ውልደፃድቅ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምሕካምን ምምርማርን ሕማም  ዝለዓለ ኣገልግሎት ዝህቡ እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ጉድለት ኣጠቓቅማ ጉድኣት ከም ዘብፀሑ ገሊፆም፡፡

ዝተዋደደ ናውቲ መከላኸሊ ጨረርን በዓል ሞያ ሬድዮሎጂስት ዘይምህላውን ቀንዲ መንቀሊ እቲ ፀገም ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ብሰንኪ ገየድለት ኣጠቓቅማ ሕክምና ጨረር ሆስፒታላት ማይጨው፣ዓብይ ዓዲ፣ ሑመራ፣ውቅሮ፣ሸራሮን ሪፈራል ሆስፒታል ዩንቨርስቲ ኣኽሱምን መጠንቀቅታ ከምዝተውሃቦም ገሊፆም፡፡

ሆስፒታላት ዓድዋን ዓዲግራትን ድማ እቲ ኣገልግሎት  ከይህባ ከምዝተኣገዳ ተዛሪቦም ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጰያ፡፡


0