ኣብ ክሊ ልምዓት ኣፍሪካ ዝዝትይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ቶክዮ ኣብ ከተማ የካሃማ ተሳሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/12/2011)እቲ ኮንፈረንስ ልምዓት ኣፍሪካ ብሓይሊ ሰብ ቴክኖሎጂ ምህዞን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን ብመሰረት እዛ ሃገራት ኣፍሪካ ብዓውድታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምምዕባል ዘኽኣሉ ደገፋት ምርካብ ካብቲ መድረኽ ትፅቢት ከምዝግበር ተሓቢሩ፡፡

ፎረም ልምዓት ጃፖን ኣፍሪካ ኣብ ኣፍሪካ ልምዓት ንምርግጋፅን እታ ኣህጉር ካብ ድኽነት ንምውፃእ ዘኽእል ሓሳባት ዝቐርበሉ እንትኾን ጃፖን ንኣፍሪካ እተገብሮ ደገፍ ዝውሰን መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ሓበራዊ ምስንዳእ እቲ መድረኽ ባንኪ ዓለም ትካል ልምዓት ውድብ ሕብረት ሃገራት ከምኡ እውን ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ይሳተፉ ከምዘለው ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of