ኣብ ኬንያ ኣብ መፍለይን መከታተልን ቫይረስ ኮሮና ዝነበሩ ሰባት ኣምሊጦም ናብ ህዝቢ ተሓዊሶም፡፡

ኣብ ኬንያ ብርክት ዝበሉ ኣብ መፍለይን መከታተልን ከተማ ናይሮቢ ዝነበሩ ኬንያውያን ኣምሊጦም ናብ ህዝቢ ዝተሓወሱ ብኣካላት ፀጥታ ይህደኑ ከምዘለዉን ጉዳዮም ብሕጊ ከምዝረኣይን ንፕረዚዳንት እታ ሃገር ሁሩ ኬንያታ ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ውልቀሰባት ካብቲ መፍለይን መከታተልን ማእከል ከምልጡ ከለው ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምዝርግሑ ስዒቡ እዩ ፕረዚደንት ሁሩ ኬንያታ ሎሚ ንጉሆ መግለፂ ክህቡ ዝተገደዱ ዝበለ ቢቢሲ እቲ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ካብቲ ማእከል ንዝነበረ ሓያል ማይ ዝናብ ከም ከዉለሊ ተጠቒሞም ካብቲ መፍለይን መከታተልን ቦታ ዘዘሊሎም ክወፁ ከለው ከምዘርኢ ኽኣ ወሲኹ ሓቢሩ።


0