ኣብ ካዛኪስታን 98 ተሳፈርቲ ፅዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ምውዳቓ ስዒቡ ብውሑዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

(ኤፍኤምመቐለ  17/04/2012እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ኣልማቲ ተበጊሳ ናብ ርእስ-ከተማ ካዛኪስታን ኑር-ሱልጣን ክትበርር ምስተበገሰት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸት ተገሊፁ።

 እታ ነፋሪት ክትበርር ከላ እቲ ከባቢ ብግመ ተሸፊኑ ከምዝነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ዛጊድ  ኣይተገልጸን። ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ


0