ኣብ ኩናት ዓድዋ ዝለዓለ ብፅሒት እናሃለዎም ዘይተነገረሎም ኣካላት ታሪኮም ክፃሓፍን ክስነድን ይግባእ ኢሎም ምሁራት ዩንቨርስቲ ኣኽሱም።

ኣብ ዩንቨርስቲ ኣክሱም ሙሁራት ተመራመርቲ ታሪክን ዮርዳኖስ ሙሉጌታ ከምዝበልኦ እዚ ዓብይ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ፖለቲካ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምቕያር ዝለዓለ ፅዕንቶ ዝፈጠረ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ዓወት ብመንፅር ታሪካውነት ዝግባእ ትኹረት ከምዘይተወሃቦ ዝገለፃ እተን ተመራማሪት ኣብ ዓመት ሓደ ካብ መክባር ሓሊፉ እቲ ሓቀኛ ታሪክ ተፃሒፉን ተሰኒዱን ሙዝየም ብምህናፅ ንመስሕብ ቱሪሰት ክውዕል ይግባእ ኢለን፡፡

ኣብቲ ዩንቨርስቲ መምህር ታሪክን ምሕደራ ቅርስን ዝኾኑ መምህር ግርማይ ሓለፎም ብወገኖም ኣብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ጀግንነትን ፅቡቕ ስራሕትን ዝሰርሑ ግን ድማ ዘይተነገረሎም ኣካላት ታሪኮም ክፀሓፍን ክዝከርን ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ኩናት ዓድዋ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምዝተሳተፉ ዘዘኻኸሩ መምህር ግርማይ ግን ድማ ስለላ ባሻይ ኣውዓሎም ፣ ጅግንነት ኣሉላ ኣባነጋ ጅግንነት ራእስ መንገሻ ዮውሃንስ ፣ ፊትኣውራሪ ገበዮሁን ንጉስ ተክለሃይማኖትን ዝሰርሕዎም ታሪካት ብትኽክል ከምዘይተፀሓፈ ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ኩናት ዓድዋ ዝተኻየደ ኩናት ጉራዕ፣ ደጉዓሊ ፣ጉንደትን መተማ ዮሃንስን ትኹረት ክወሃቦም ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡


1+

1
ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
1 Comment threads
0 Thread replies
0 Followers
 
Most reacted comment
Hottest comment thread
1 Comment authors
fm-mekelle Recent comment authors
  Subscribe  
newest oldest most voted
Notify of